Opinioni Storie Chi siamo Partecipazione Reports Ukrainian Response - Відповідь для України EDUINFO Aderisci ora
Unisciti a U-Report, la tua voce conta
STORIA
OPS! - ሓሳብካ፣ ኪነው ተነጽሎ፣ ኣንጻር ግጉይ ኣመለኻኽታ!


ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዘለና ኣጠማምታ፣ ዓይንናን እዝንናን ክሽፍነና ይኽእል እዩ።

(ማርሰል ፕሩስት)

ገለ ሰባት ዓሌታዊ ተነጽሎ ኣሎዎም፣ ግን ኣየስተውዕልሉን እዮም ሓሲብካዮ ትፈልጥ ?


ካብ 14-ክሳብ 24 ዓመት እንተ ኮይንካ፣ ገለ ብዛዕባ ዓሌታዊ ተነጽሎ ክትብሎ ትደሊ ምስ ዝህልወካ፣ ኣብ ውድድር OPS! ሓሳብካ ክተካፍል ትክእል እካ።

ኣንታይ ትጽበ ኣሎካ? እተን ቦታታት ዉሱናት እየን! 

ኣብዚ ብምጥዋቕ ተመዝገብ፡ ናትካ ትሕዝቶ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ ስደዶ።

  1. OPS! እንታይ እዩ? 

“OPS! - ሓሳብካ፣ ኪነው ተነጽሎ፣ ኣንጻር ግጉይ ኣመለኻኽታውድድር ናይ UNICEF ኮይኑ ብምትሕብባር U-Report On The Move ንዓኤታዊ ተነጽሎን ግጉይ ኣመለኻኽታ ክቃለስ ዝተዳለወ እዩ።

     ታሪኽካ ኣዕልለና፡ ሓንቲ ካብዘን ክልተ ሕቶታት ብምምላስ ናትካ ሓሳብ ኣካፍለና። 

  1. ኣብ ልዕሌኻ ዝኾነ ሰብ ዓሌታዊ ተነጽሎ ጌሩ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ ? እስኪ ኣዕልለና ከመይ ኔሩ፡ ከመይ በዲህካዮ ወይ ውን ከመይ ክትብድሆ ምደለኻ?

ወይ ድማ

2)“እዚ ንዓይ ወይ ንኻልኦት ሰባት ዝተባህለ ናይ ዓሌታዊ ተነጽሎ እዩ፣ ግን ወላ ሓደ ሰብ ኣየስተውዓለሉንሓሲብካዮ ትፈልጥ ?

እስኪ ኣዕልለና ከመይ ኔሩ፡ ከመይ በዲህካዮ ወይ ውን ከመይ ክትብድሆ ምደለካ?


  1. እንታይ ትዕወት?

ዕውታት ናይ እዚ ውድድር ክሳብ 200 ኤዉሮ ዋጋ ዘለዎ ኩፖን ሙዚቃ ንምጽዓን፣ ናይ ኤለክትሮንክን፣ ካልእን ዝኸዉን ይወሃቦም!

ብዝያዳ ከኣ ዕዉታት ናይ እዚ ውድድር ናይ ሞያ ትምህርቲ ክጅምሩ ዕድል ይወሃቦም። እዚ ድማ ካብ መስከረም 2021 ጀሚሩ፣ ኣብ መጋቢት 2022 ኣንጻር ዓሌትነት ተበግሶ ብምግባር ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ እዩ።

  1. ብኸመይ ትሳተፍ? 

ኣብ OPS! ምስታፍ ቀሊል እዩ!

ቀዳማይ ደረጃ፡ ናይ መዝገባ ሰነድ ምምላእ

ካልኣይ ደረጃ፡ ብከመይ ከም ትሳተፍ ምምራጽ

ኣብዚ ዉድድር ብዙሕ ናይ መሳተፊ ኣገባባት ኣሎ፡ ኩሉ ፍለጦ፡ ዘድልየካ ድማ ምረጽ!


ክፋላት ውድድር

  • ብሉጽ ስእሊ፣ 

ኣብ ክፋል ብሉጽ ስእሊንምስታፍ፡ ሓንቲ ስእሊ ኣብ ኢንስታግራም ብምጥቃዕ ምስኡ ድማ መግለጺ ብምጽሓፍ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ትምልስ ይኸዉን። እዚ ድማ ዝስዕብ ወስኸሉ፣ #OPScontest #changethenarrative #words4equality U-Report On The Move ናይ ኢንስታግራም ገጽ ከኣ tag ግበሮ!

  • ብሉጽ reel

ኣብ ክፋል ብሊጽ reel ንምስታፍ፡ ሓንቲ reel ኣብ ኢንስታግራም ብምጥቃዕ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ትምልስ ይኸዉን። እዚ ዝስዕብ ድማ ወስኸሉ፣ #OPScontest #changethenarrative #words4equality U-Report On The Move ናይ ኢንስታግራም ገጽ ከኣ tag ግበሮ!


  • ብሉጽ ቪድዮ፣

ኣብ ክፋል ብሉጽ ቪደዮ ንምስታፍ፡ ሓጻር ቪደዮ ክሳብ 60 ደቓይቕ ዝከዉን (ጽሑፍ፡ ደርፊ፡ ወይ ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ) ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ዝምልስ፣ ናብዚ ኣድራሻ እዚ ስደድ፣ ureportonthemove@gmail.com

  • ብሉጽ ጽሑፍ፣

ኣብ ክፋል ብሉጽ ጽሑፍ ንምስታፍ፡ ሓደ ጽሑፍ (ታሪኻ፡ ግጥሚ፡ ትያትር፣ ከምኡ ውን ካልኦት ዓይነት ዛመሰሉን) ክሳብ 5 ገጻት ዝኸውን፣ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ዝምልስ፣ ናብዚ ኣድራሻ እዚ ስደድ፣ ureportonthemove@gmail.com


  • ብሉጽ ቅርጺ፣

ኣብ ክፋል ብሉጽ ቅርጺ ንምስታፍ፣ ሓደ ናይ ኢድ ስእሊ፣ ካርቱን፣ ፖስተር፣ ወይ ድማ ግራፊክስ፣ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ዝምልስ፣ ናብዚ ኣድራሻ እዚ ስደድ፣ ureportonthemove@gmail.com

  • ብሉጽ ደርፊ፣

ኣብ ክፋል ብሉጽ ደርፊ ንምስታፍ፣ ሓንቲ ሓጻር ደርፊ ብምምላእ፣ ንሓንቲ ካብተን ክልተ ሕቶታት ትምልስ፣ ናብዚ ኣድራሽኣ እዚ ስደዱ፣ ureportonthemove@gmail.com


  1. ዕዉታት ብኸመይ ይምረጹ?
  • ብሉጽ ስእሊ

ዕዉታት ኣብ  ክፋል ብሉጽ ስእሊ ክልተ እዮም። ሓደ ዕዉት ናትና ዳኛ ይመርጾ፡ እቲ ካልኣይ ዕዉት ከኣ ማሕበረሰብ ይመርጾ። እዚ ድማ ነቲ ዝፈትዉዎ ስእሊ ኣብ ናይ ኢንስታግራም stories ማለት ኣብ ገጽ U-Report On The Move ይምረጽ።


  • ብሉጽ reel

ዕዉታት ኣብ ክፋል ብሉጽ reel ክልተ እዮም። እቲ ቀዳማይ ዕዉት ብዳኛ ናይቲ ዉድድር ይምረጽ፡ እቲ ካልኣይ ዕዉት ድማ ካብ  ብዝሒ ላይክ ዝረኸቦ ይከዉን።

  • ብሉጽ ቪድዮ፣ ብሉጽ ጽሑፍ፣ ብሉጽ ቅርጺ፣ ብሉጽ ደርፊ

ንኩሎም ካልኦት ክፋላት፡ ክልተ ዕዉታት ኣሎዎም። ክልትዮም ድማ ብናትና ደያኑ ይምረጹ።

እንታይ ትጽበ ኣሎካ? ናብዚ ዉድድር ሎሚ ተሳተፍ!

  1. ብጣዕሚ ኣገዳሲ!

ኣንጻር ዓሌታዊ ተነጽሎን ኣነዋሪ ዘረባን ክንቃለስ አንተ ደኣ ኮይንና፣ ቀዳምነት ካብ ነብስና ክንጅምር ኣሎና!

ስለዚ ከኣ ዝኾነ ናይ ምንጻል፣ ምቁንጻብ፣ ኣነዋሪ ዘረባ፣ ኣቖጣዒ ቃላት ትሕዝቶ ዘለዎ፣ ብቐጥታ ካብዚ ውድድር ይንጸግ።

  1. ጥርጣሬ፣ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ...

ከመይ ጌርካ ኣብ ውድድር ከምትሳተፍ ጥርጣሬ ወይ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፣ ወይ ድማ ሓገዝ ምስ ዘድሌካ፣ ኣብዚ ኣድራሻ እዚ ureportonthemove@gmail.com ወይ ኣብ ናትና Messenger ጸሓፍ!


Guarda attraverso i numeri come stiamo coinvolgendo le voci dei giovani per un cambiamento sociale positivo.
ESPLORA IL LIVELLO DI PARTECIPAZIONE
UNICEF logo